ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ዝነበረን ተሳትፎ ኣብ ሓዱሽ ዓመት እውን ኣጠናኺርና ክንቅፅል ይግባእ – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ዝነበረን ተሳትፎ ኣብ ሓዱሽ ዓመት እውን ኣጠናኺርና ክንቅፅል ይግባእ ክብሉ ርእሰ መምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር በዓል ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
ኣይተ ሽመልስ ኣብ መልእኽቶም፥ ”እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት ኣብፀሐኩም፤ ዓመተ 2013 ብዙሓት ፈተናታት ኣተኣናጊድና ኢና፤ ይኹ እምበር ብምርድዳእ ዝተለምናዮም ብዝተሓባበረ ቅልፅም ክነዕውቶም ክኢልና ኢና” ኢሎም፡፡
“ክፈርሱ ኢዮም እንትንበሃል ተወዲብና፣ ህድሕዶም ክዋድኡ ኢዮም እንትንበሃል ተሓጋጊዝና ሓድነትና ኣጠንኪርና ኣብ ልዕሊ ፀላእትና ዓወት እናሓፈስና” ንርከብ ክብሉ ገሊፆም፡፡
ረብሓ ህዝቢ፣ ሉኣላውነትን ናፅነትን ሃገር ምኽባር ወሰንቲ ስለዝኾኑ፥ ብዘይ ድርድር እናተሰርሐ ይርከብ ዝበሉ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ሎሚ ድሮ ሓዱሽ ዓመት እንትነኽብር እውን እንተይተዘናጋዕና ሰላም ሃገርና ክንሕሉ ይግባእ ኢሎም፡፡
ትኹረትና ኩሉ ኣብ ሰላም ህዝቢናን ሃገርናን ክኸውን ይግባእ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ንኹሎም ሓይሊታት ፀፅታን እንኳዕ ንድሮ ሓዱሽ ዓመት ኣብፀሐኩም ኢሎም፡፡
ኣብ 2013 ዓ.ም 11 ሺሕ ፕሮጀክታት ብምዝዛም ንኣገልግሎት ከምዝበቕዑ ብምግላፀ ኣብ 2014 ዓ.ም ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ብምግባር ጉዕዞ ምዕባለ ኢትዮጵያ ክዕወት ኢዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።