ኣብ ስዊድን 30,000 ሰባት ማይክሮ ቺፕ ዲጂታል ቁልፊ ኣብ ኣፃብዕቲ ኢዶም ኣትኪሎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ስዊድን ልዕሊ 30,000 ሰባት ሰዎች ብፍቓዶም ኣብ ኢዶም ክንዲ ፍረ ሩዝ ዝኾና ደቀቕቲ ማይክሮ ቺፓት ከምዝተኸሉ ተሓቢሩ።
እቲ ቴክኖሎጂ ከም ዲጂታል ቁልፊ፣ ሜላ መኽፈሊን መለለዪ መንነትን ብምዃን ዕለታዊ ናብራ ንምቅልጣፍ እናወዓለ ይርከብ።
እቶም ቺፓት ብሓገዝ ስሪንጋ ኣብ ዋና ኣብ ዋና ኣፃብዕቲን ኣብ ሞንጎ ኣፃብዕቲን ዝትከሉ እንትኾኑ፤ ተጠቀምቲ በሪ ንምኽት፣ ብባቡር ንምጉዓዝ፣ ኣብ ግሮሰሪ ንምኽፋክ ከምኡ እውን ናብ ማእኸላት ስፖርት ንምእታው ኣእዳዎም ምንቅስቓስ ጥራሕ እኹል ከምዝኾነሎም ተሓቢሩ።
እዚ ዝጥቀሙ ሰባት ናይ ጁባ ቦርሳ ኮነ ካርድታት ናይ ምሓዝ ግዴታ ብምትራፍ ዝርከብ ምችውነት ከም ልዑል ረብሓ ይግለፅ።
ይኹን እምበር እዚ ቴክኖሎጂ ምስፍሕፍሑ ብብዙሓት ወገናት ብዛዕባ ውልቃውነት፣ ክትትልን ድሕንነት ሳይበርን ልዑል ስግኣት ከምዝፈጠረሎም እናተገለፀ ይርከብ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!