ኣብ ቀፃሊ ዝፍጠሩ ዕድላት ስራሕ ብዲጂታል ክእለት መሰረት ከምዝገብሩ ተሓቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቀፃሊ ዝፍጠሩ ዕድላት ስራሕ ይኹን ካልኦት ረብሓታት÷ ዲጂታል ክህሎት መሰረት ከምዝገብሩ ከምዝኽእሉ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣረዲኡ፡፡
ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ወሳኒ ካብ ዝኾኑ መሰረተ ልምዓታት ክእለት ህንፀትን ክእለት ዲጂታል ሰነ-ምህዳርን ውሽጢ ብዝድለ መልክዑ ኣብ ረብሓ ክውዕል ምግባር ምዃኑ ተገሊፁ፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕቲ ብዲጂታል ዝተመስረቱ ፤ ብምኽንያት ዲጂታል ኣብ ሓደ ቦታ ብዘይምውሳን ሓዱሽ ዕድል እናሃቡ ምዃኖም ኣማኻሪ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ኣብዮት ባዩ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
በዙይ ሓድሽ ዕድል ምጥቃም ዝኽእሉ ተደለይቲ ዝኾኑ ክእለት ዲጂታል ዘለዎም ጥራሕ ምዃኖም ብምሕባር፤ መናእሰይ እዚ ብምግንዛብ መንግስቲ ብዘመቻቸዎ ስልጠና ኢትዮ ኮደርስ ክጥቀሙሉ ምዒዶም፡፡
መናእሰይ እቲ ስልጠና ብግቡእ መገዲ ክወስዱ በቢ ብርኩ ዘለው ኣመራርሓታት ግቡእ ድጋፍ ክገብሩ ሓቲቶም።
ብዮሐንስ ደርበው