Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቦቆጂ ጉያ 12 ኪ.ሜ ኣትሌት መሰረት ጣፋን ስዮም ድሪባን ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ራብዓይ ኣብ ቦቆጂ ‘ኢትዮጵያ ክፈልጠኪ’ ጉያ 12 ኪ.ሜ ውድድር ሎሚ እንትካየድ ኣትሌት መሰረት ጣፋን ስዮም ድሪባን ተዓዊቶም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ውድድር ሚኒስተር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

ሚኒስትሪ ቱሪዝም ምስ ዓብዩ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ብሓባር ብምትሕብባር ዘዳለዎ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ አትሌት ስዩም ድሪባ እንትዕወት ኣማን ቃዲን ነጋሳ ደቀባን ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ዛዚሞም።

ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት መሰረት ጣፋ ብቀዳመይቲ ክትዛዝም ከላ ድርቤ ተጫልን ወርቄ ኣበጀን ካልኣይን ሳልሳይን ወፂአን፡፡

ብወርቅነህ ጋሻሁን

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.