Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ተካእቲ ፍርያታት ንዝዋፈሩን ሓደሽቲ ሓሳባት ፈጠራን ንዝትግብሩ ፈጠርቲ ስራሕ ቀረብ ፋይናንስ ንምምላእ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብ ተካእቲ ፍርያታት ንዝስርሑ ፈጠርቲ ስራሕ ቀረብ ፋይናንስ ንምምላእ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ ኢሉ፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ኣይተ ጌታቸው ዋቄ ከምዝበሉዎ÷ እቲ ትካል ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ንዝዋፈሩ ኣልማዕቲ ቀረብ ፋይናንስ ኣብ ምስላጥ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ፡፡

ብፍላይ ኣብ ዓውዲታት ማኑፋክቸሪንግ፣ ሕርሻ፣ መዓድንን፣ ምፍልፋል ሓይሊን ካልኦት ዓውዲታትን ንዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ፋይናንስ ናይ ምቕራብ ስራሕ እናተወገነ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምፍራይ ፃዕሪ ንዝገብሩ ሰብ ሃፍቲ ኣድላዪ ሓገዝ እናተገበረ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም፡፡

ሓደሽቲ ሓሳባት ፈጠራ ናብ ኢኮኖሚ ንምእታው መፅናዕቲ ከምዝተኻየደ ዝገለፁ ኣይተ ጌታቸው÷ ኣብ ሓሳባት መዋእለ ንዋይ ምፍሳስ ዘኽእል ኣዋጅ ንምፅዳቕ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.