ኣብ ተግባር ገበን ዘይሕጋዊ ሸርፊ ወፃኢ ናይ ዝተዋፈሩ 138 ተጠርጠርቲ ሒሳብ ባንኪ ተኣጊዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ተግባር ገበን ዘይሕጋዊ ሸርፊ ወፃኢ ናይ ዝተዋፈሩ 138 ተጠርጠርቲ ሒሳብ ባንኪ ተኣጊዱ ኢሉ ኣገልግሎት ድሕንነተት ፋይናንስ፡፡
እቲ ኣገልግሎት ሕጋዊን ስሩዕን ስርዓት ባንኪ ንጎኒ ብምባል ኣብ ዘይሕጋዊን ተመዓዳዳዊን ዕዳጋ ሸርፊ ወፃኢ ዝተዋፈሩ 138 ቀንዲ ተጠርጠርቲ ምነቅስቓስ ገንዘብ ክእገድ ከምዝተገበረ ኣመልኪቱ፡፡
ኣገልግሎት ሸርፊ ወፃኢ ብሕጋዊን ስሩዕን ስርዓት ባንኪ ኣቢሉ ንኽካየድ ብግልፂ ዝተቐመጠ ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ፡፡
ብምዃኑ ድማ ኣብ ዘይሕጋዊ ኣገልግሎት ሸርፊ ወፃኢ ዝተዋፈሩ አካላት ጥንኩር ተሓታትነት ዘስዕብ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!