Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ተግባር ገበን ዘይሕጋዊ ሸርፊ ወፃኢ ናይ ዝተዋፈሩ 138 ተጠርጠርቲ ሒሳብ ባንኪ ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ተግባር ገበን ዘይሕጋዊ ሸርፊ ወፃኢ ናይ ዝተዋፈሩ 138 ተጠርጠርቲ ሒሳብ ባንኪ ተኣጊዱ ኢሉ ኣገልግሎት ድሕንነተት ፋይናንስ፡፡

እቲ ኣገልግሎት ሕጋዊን ስሩዕን ስርዓት ባንኪ ንጎኒ ብምባል ኣብ ዘይሕጋዊን ተመዓዳዳዊን ዕዳጋ ሸርፊ ወፃኢ ዝተዋፈሩ 138 ቀንዲ ተጠርጠርቲ ምነቅስቓስ ገንዘብ ክእገድ ከምዝተገበረ ኣመልኪቱ፡፡

ኣገልግሎት ሸርፊ ወፃኢ ብሕጋዊን ስሩዕን ስርዓት ባንኪ ኣቢሉ ንኽካየድ ብግልፂ ዝተቐመጠ ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ፡፡

ብምዃኑ ድማ ኣብ ዘይሕጋዊ ኣገልግሎት ሸርፊ ወፃኢ ዝተዋፈሩ አካላት ጥንኩር ተሓታትነት ዘስዕብ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.