ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ካብ ንግዲ ወፃኢ 8 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ተረኺቡ – ፕሬዚዳንት ታዬ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 2017 ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን 8 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ካብ ንግዲ ወፃኢ ረኺባ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፡፡
መበል 6ይ መኽፈቲ ስነ ሰርዓት 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ይሳለጥ ኣሎ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ዘስምዑዎ መኽፈቲ መደረ፥ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2017 ዓ.ም 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፍርያት ከምዝፈረየ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ምስ በጀት ዓመት 2016 እንትነፃፀር 27 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ዓቕሚ ምፍራይ ኢንዱስትሪታት ካብ 59 ሚኢታዊ ናብ 65 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ብምሕባር፥ ፍርያት ወርቂ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ካብ ዝነበሮ 9 ቶን ኣብ በጀት ዓመት 2017 ናብ 38 ነጥቢ 87 ቶን ዓብዩ ኢሎም፡፡
ኣብ 2016 በጀት ዓመት 7 ነጥቢ 5 ሚሊየን ቶን ዝነበረ ፍርያት ሲሚንቶ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ናብ 9 ነጥቢ 1 ሚሊየን ቶን ዓብዩ ኢሎም፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መደረኦም ኣመላኸትቲ ዲጂታል ኢኮኖሚ ብልዑል ኩነታት ዕቤት ከምዘርአዩ ከምኡ እውን 822 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ልቓሕ ባንኪ ከምዝተለቐቐ ኣብሪሆም።
ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ካብ ንግዲ ወፃኢ 8 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ከምዝረኸበት ዝሓበሩ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ካብ 2016 በጀት ዓመት 116 ሚኢታዊ ሓለፋ እናርአየ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ምኽባር ናብራ ንምንካይ ብዝተገበረ ተኸታታሊ ፃዕሪ ኣብ 2016 ወርሒ ሰነ ካብ ዝነበረ 19 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ምኽባር ናብራ ኣብ 2017 ዓ.ም ተመሳሳሊ ወርሒ 13 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ኮይኑ ተመዝገቢቡ ኢሎም።
ንሰራሕተኛታት መንግስቲ መመሓየሺ መሃያ ብምግባር 4760 ብር ዝነበረ ትሑት ብርኪ መሃያ ናብ 6000 ብር ምዕባይ ከምዝተኽኣለ እውን ሓቢሮም።
ብኻሊእ መዳይ ኣብ 2017 በጀት ዓመት መንግስቲ ካብ ብሄራዊ ባንኪ ምንም ዓይነት ቀጥታ ልቓሕ እንተይወሰደ እቲ በጀት ዓመት ከምዝዛዘመ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ዓብዪ ቁምነገር ኢዩ ኢሎም።
ኣብ 2017 በጀት ዓመት ልዕሊ 150 ዓለም ለኸ ጉባኤታት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተኻየዱ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ መኽፈቲ መደረኦም ገሊፆም፡፡
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!