ኣብ ኢትዮጵያ ሓሳቡ ብምግላፁ ዝእሰር የለን-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ድልየት ስልጣን ብሓይሊ ንምሓዝ ተሊሙን ተወዲቡን እንትንቀሳቐስ ከምኡውን ብኻልኦት ገበናት እንትሳተፍ እንበር ሓሳቡ ብምግላፁ ዝእሰር የለን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መበል ራብዓይ ክፋል ቃለ መሕትቶም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ኣብ ምሕላው ዝተሰርሑ ስራሕቲ ጠሚቶም መብርሂ ሂቦም።
ብመሰረት እዚ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ብዝሓሸ መገዲ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ቁርፀኛ ቅዋም ብምሓዝ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ይኹን እንበር ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዓብዪ ፀገም ነፃነት ናይ ምምሕዳር ዓቕሚ ውሱን ምዃኑ ኢዩ፤ ነፃነት ብግቡእ ምምሕዳር ፈተና ኮይኑ ኢዩ ኢሎም።
ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰል ኩሉ ብትኽከል ፈሊጡን ተገንዚቡን ብዓቕሚ ትካል ተፈቲሹ ንክትግበር ከምዝተሰርሐ እውን ገሊፆም።
ንኣብነት ድማ ብነፃነት ዝሰርሓ ትካላት ምህናፀን ብምግላፅ፥ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዋጋ እናኸፈልና እንተኾንና እወን ኣድላዪ ምህዳር ምጥዕዓሙ ተዛሪቦም።
ኣብ ገበን ዝሳተፉ ሰባት ብፍላይ ፖለቲከኛታት ኢናን ኣክቲቪስታት ኢናን ዝብሉ ሰባት ኣብ ገበን ተሳቲፎም ብኣግባብ ሕጊ አንትሕተቱ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል የልዕሉ፤ እዚ ድማ ስሕተት ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ሓሳቡ ስለዝገለፀ ዝእሰር ሰብ ከምዘየለ ኣገንዚቦም።
ሰብ ዝእሰር ተሊሙ፣ ተወዲቡ፣ ፋይናንስ ኣልሹን ተንቀሳቒሱን ናብ ኣራት ኪሎ ክኣቲ ኢየ አንትብል ኢዩ ኢሎም።
ሕገ መንግስቲን ካልኦት ሕግታትን ኣኽቢሩ ዘይንቀሳቐስ ኣካል ብሕጊ ተሓታቲ ካብ ምዃን ኣየምልጥን ክብሉ ገሊፆም።
ብመላኩ ገድፍ