Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ይግበሩ ፎረም 2026 ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንክልተ መዓልቲታት እናተኸየደ ዝቐነየ 4ይ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ይግበሩ ፎረም 2026 ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ፎረም ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዘካተቱ ብሓፈሻ 13 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ዝግገመቱ ውዕላት ኢንቨስትመንት ተፈሪሞም።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ፎረም ብዝተወገነ መርሃ ግብሪ ክታም ኣብ ማኑፋክቸሪንግ፣ ሕርሻ፣ ሓይሊ፣ መዓድንን ካልኦት ዘፈራትን ዓበይቲ ስምምዓት ኢንቨስትመንት ተፈሪሞም።

ዝተፈረሙ ውዕላት ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘሎ እምነት ኢንቨስተራት ከምዘርኢ ዝተገለፀ እንትኸውን፤ እቶም ውዕላት ንፈጠራ ስራሕ፣ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብን ንስግግር ቴክኖሎጂን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎም ተሓቢሩ።

እዚ ስምምዕነት ኢትዮጵያ ከም መሪሕ መብፅሒ ኢንቨስትመንት እናተሓደሰት ምዃና ዘመላኽት ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ፎረም ሓደሽቲ መሓዙት ንምፍጣርን ቀፃሊ ርክባት ኢንቨስትመንትን ንምጉልባት ጥንኩር መድረኽ ከምዝኾነ ሓበሬታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣመልኪቱ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.