ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ናፃ ንግዲ ዞባ ኣፍሪካ ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ናፃ ንግዲ ዞባ ኣፍሪካ ሎሚ ተጀሚሩ።
ኣብቲ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር መዓርግ ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ፣ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)ን ከምኡ እውን ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ተረኺቦም።
ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ናፃ ንግዲ ኣፍሪካን ሰደድ ንግዲ ኢትዮጵያን ኣብ ወፃኢ ንግዲ ምስላጥ ልዑል ግደ ኣለዎም፡፡
ካብዚ ሓሊፉ ንዓውዲ ንግዲ ኢትዮጵያ ልዑል ኣበርክቶ ከምዝገብር እውን ኣገንዚቦም።
ብቅድስት ኣባተ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!