ኣብ ኣሎንሶ ናይ ምፅዋት ዕድል ዝተኸልከለ ኮኾብ ሮድሪጎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብራዚላዊ ኮኾብ ሮድሪጎ ኣሰልጣኒ ዣቢ ኣሎንሶ ሳንቲያጎ ቤርናባው ካብ ዝኣቱ ንደሓር ናይ ምፅዋት ዕድል ዝተኸልከለ ተፃዋታይ ኮይኑ።
ተፃዋታይ ሮድሪጎ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብካርሎ ኣንቸሎቲ እትምራሕ ስፔናዊ እናተመርሐ ኣብ ኣውሮፓ ሊግ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ፅወዓት እንተዕውት ካብቲ ክለብ ወሳኒ ተፃዋቲ እቲ ሓደ ነይሩ፡፡
ብፍላይ ድማ ኣብ ኣውሮፓ ሻምፒየንስ ሊግ ማድሪድ ማንቼስተር ሲቲ እንትስዕር ዘመዝገቦ ኣበርክቶ ፈፂሙ ዝርሳዕ ኣይኮነን።
ኣብ ፍርቂ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ 2022 ናብ ፋፃመ እንትሓልፍ ተወሳኺ ደቂቃ ጥራሕ ሮድሪጎ ተቐይሩ ናብ ፀወታ ብምእታው ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቓይቕ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ንፀለምቲ ናብ መዛዘሚ ፀወታ ኣእትዩዋ።
ኣብቲ እዋን ሪያል ማድሪድ ተኣምራታዊ ብቕዓት ሮድሪጎ ናብ ፍፃመ ብምሕላፍ ኣብ መዛዘሚ ፀወታ ንሊቨርፑል ብሸቶ ቪኒሽስ ጁኒየር ብምስዓር ፅዋዕ ምልዓሉ ይዝከር፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ርያል ማድሪድ ብብዝሒ ዝዝረበሎም ተፃወትቲ ወዲ ሃገሩ ቪኒሺስ ጁንየርን እንግሊዛዊ ጁድ ቤሊንግሃምን እዮም።
ብራዚላዊ ኮኾብ ሮድሪጎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብታ ጋንታ ብዝገበሮ ኣበርክቶ ከም ቪኒሽስ ጁንየርን ጁድ ቤሊንግሃምን ዘይተዘመረ ጅግናን ትሑት ደረጃ ዝወሃቦ ተፃዋታይን ኢዩ።
ሪያል ማድሪድ ኣብ ትሕቲ ዣቢ ኣሎንሶ 9 ፀወታታት ተፃዊታ ብምግባር ኣብ ስፔን ላሊጋ ንፈለማ ሰሙን ትሽዓተ ፀወታታት ገይሩ፡፡
እዞም ትሽዓተ ፀወታታት ሮድሪጎ ብሓደ ጥራሕ ቀዋሚ ኮይኑ ዝተጀመረ እንትኾን ካብተን 9 ፀወታታት ኣብ ሜዳ 93 ደቓይቕ ጥራይ ኢዩ።
እቲ ኣሰልጣኒ ንተፃዋታይ ንምንታይ ናይ ምስላፍ ዕድል ከምዘይህቡ ናይ ቲክታክ ጉዳይ ከምዝኾነ ብግልፂ ኣብ ሮድሪጎ እምነት ኣለኒ ክብል ይስምዑ ኣለው።
ኣሰልጣኒ ዣቢ ኣሎንሶ ብእኡ እምነት ኣለኒ ከምዝበሉ ኣብ ክለቦም ሮድሪጎ ኣብ መስኮት ዝውውር ዝውውር ክራማት ካብ ማድሪድ ክወፅእ ይኾን ዝብል ትፅቢት ይግበር።
ኪሊያን ምባፔ ናብ ሪያል ማድሪድ ምስ ተፀንበረ ማዕከናት ዜና ስፔን ንሮድሪጎ ብምግልጋል ከሊያን ምባፔ፣ ቪኒሽስ ጁንየርን ጁድ ቤሊንግሃምን ከም ሓድሽ ውህደት ሪያል ማድሪድ ጥምረት ብምባል ሮድሪጎን ኣግሊሎምዎ ነይሮም።
ኪሊያን ምባፔ ሳንቲያጎ ቤርናባው እንትበፅሕ ኣብ ማዕከናት ሚዲያ ክግለፅ ዝፀንሐ ከኮብ ኣብዚ ሕዚ ድማ ብኣሰልጣኒ ናይ ምስላፍ ዕድል ተኸልኪሉ፡፡
እዚ ወዲ 24 ዓመት ብራዚላዊ ኣጥቃዓይ ሮድሪጎ ቀፂሉ እንታይ ከም ዘጋጥሞ ክርአ እዩ ዝብል ትፅቢት ይግበር።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!