ኣብ ኣሜሪካ ብዘጋጠመ በረድ ዝሓወሰ ከቢድ ህቦብላ ንፋስ ልዕሊ 5 ሽሕ በረራታት ተሰሪዙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ኣሜሪካ ብዘጋጠመ በረድ ዝሓወሰ ከቢድ ህቦብላ ንፋስ ልዕሊ 5 ሽሕ በረራታት ተሰሪዙ፡፡
በዙይ ድማ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ሰባት ምንግልታዕ እንተጋጥሞም ልዕሊ 5 ሽሕ በረራታት ምስራዙ ተሓቢሩ፡፡
ኣብ ሮድ አይላንድን ማሳቹሴትስ ኣስታት 37 ኢንች ዝፅጋዕ በረድ ዝናብ ዝተመዝገበ እንትኾ ኣብ ኒውዮርክ ከተማ ሴንትራል ፓርክ ድማ ልዕሊ 19 ኢንች በረድ ከምዝወደቐ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኩነታት ኣየር ምግላፁ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
እታ ንኡሽተይ ግዝኣት ኣሜሪካ ሮድ ኣይላንድ እቲ ዝኸፍአ ህቦብላ በረድ ዝተሃስየት ከባቢ ምዃና ፀብፃባት መራከብቲ ሓፋሽ ሓቢረን፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!