Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣብያተ ህንፀት ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ተመሓይሹ-ኮሚሽነር ብርሃኑ ኣዴሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣብያተ ህንፀት ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ምምሕያሹ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብርሃኑ ኣዴሎ ገሊፆም።

እቲ ኮሚሽን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ፥ ኣብ ላዕለዋይ ሓለዋ ቤት ህንፀት ቃሊቲ ዑደት ገይሮም።

ኮሚሽነር ብርሃኑ ኣዴሎ፥ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ 61 ኣብያተ ህንፀት ዑደት ገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ንተሃነፅቲ ዝቐርብ ቀለብ ዘይምምሕያሽን ካብ ክልል ክልል ኣፈላላይ ከምኡውን ናይ ይቕሬታን ምሕረትን ኣወሃህባ ስሩዕ ዘይምዃን ኣብተን ኣብያተ ህንፀት ዝተርኣዩ ፀገማት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ብህፁፅ መፍትሒ ከምዝረኽቡ እውን ተዛሪቦም።

ብሲሳይ ወርቁ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.