Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህንፀት 15 ሺሕን 960 ፕሮጀክትታት ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህንፀት 15 ሺሕን 960 ፕሮጀክትታት ተዛዚሙ ኢሉ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ምምሕዳር እታ ከተማ።

ሓላፊት እቲ ቢሮ  እናትኣለም መለስ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ኣብ ባጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ሀንፀቶም ዝተዛዘሙ ፕሮጀክትታት ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ብምምራቕ ንኣገለግሎት ክፍቲ ክኾኑ ኢዮም ኢለን።

ካብ መንጎ እቶም ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ብቀንዱ ባህጊ ህዝቢ ንምምላእ ልዕሊ 10 ሺሕ ኣባይቲ ምህናፆም ተዛሪበን።

ኣብ ባጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ድልየት መንበሪ ነበርቲ እታ ከተማ ንምምላእ ዝተሃነፁ ኣባይቲ፥ ብምትሕብባር ምንግስቲን ሕብረተሰብን ከምዘኾነ ገሊፀን።

ብሓፈሻ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ሀዝቢ ዝሕግዙ ናይ ጥዕና፣ ተምህርቲን መንገዲን ፕሮጀክትታት ተሃኒፆም ኢዮም ኢለን።

ሕቶ መናእሰይ እታ ከተማ ንምምላስ 122 ስፍራታት ስፖረት ምህናፆም ተዛሪበን።

ኣብቶም ፕሮጀክትታት ን366 ሺሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ሓቢረን።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.