ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ 7 ቢሊየን ብር ወፃኢ እናተሃነፀ ዝርከብ መንደር ኢንዱስትሪ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበበ ብ7 ቢሊየን ብር ወፃኢ ህንፀቱ እናተዛዘመ ዝርከብ መንደር ኢንዱስትሪ ንግልጋሎት ንምብቃዕ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ ኢለን፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብ7 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝህነፅ ዘሎ መንደር ኢንዳስትሪ ዑደት ኣካይደን።
ኣብዚ እዋን ሕቶ ነበርቲ እንምልሶ ዝረኣዩ፣ ዝጭበጡን ዘላቒ ፍታሕን ጠመተ ዝገበሩ እዮም ክብላ ተዛበን፡፡
ኣብ 93 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ መንደር ኢንዱስትሪ ቀዳማይ ምዕራፍ ልዕሊ 120 ሼዳት ከምዘለዋ ኣረዲኤን፡፡
እቶም ሼዳት ንስራሕቲ ሓፂን መፂን፣ ፍርያት ዕንጨይቲ፣ ዓለባ፣ ፕላስቲክን ኬሚካላትን መፍረዩ ዝኸውን ግልጋሎት ምርኢት ፍርያትን መሸጣን ንምሃብ እዩ ኢለን፡፡
እቲ መንደር ኢንዱስትሪ ህንፀት ፀገም መስርሒ ቦታ ካብ ምንጋፍ ብዝሓለፈ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ፍርያት ማኑፋክቸሪንግ ብምትካእ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ንምፍታሕ ዘኽእል እዩ ኢለን።
ብተወሳኺ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ኢኮኖሚያዊ ስግግር ኣብ ምስላጥ ልዑል ግደ ኣለዎ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ እቲ ህንፀት 2ይ ምዕራፍ ንፍርያት ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ዝኾኑ ሼዳት ዝሓዘ እዩ ምባለን ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ፡፡
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!