ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኻዊ ገፅታ ዝምጥን ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ይካየድ ኣሎ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኻዊ ገፅታ ዝምጥን ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ይካየድ ኣሎ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
በዓል መዚ ምኽባር ደንቢ መመሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሻድሻይ ዙር 2 ሺሕን 74 ፓራ ሚሊተሪ ኦፊሰራት ኣመሪቑ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ÷ እታ ከተማ ንነበርታ ምቹእን ትስማማዕን ንምግባር፣ ኩለ መዳይ ስራሕቲ ልምዓት ብሕጊን ስርዓትን ንክምርሑ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ክካየዱ ምፅንሖም ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ ኣዲስ ኣበባ፥ ሕግን ስርዓትን ዝነገሰላ፣ ኩሉ ኣሰራርሓ ብሕጊን ደንቢን ዝምረሐላ ከተማ ምግባር ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።
ብመሳፍንት ብርሌ