Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፀ ህንፃ ኣዲስ ሲኒማ ኮምፕሌክስ ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብታ ከተማ ዝተሃነፀ ህንፃ ኣዲስ ሲኒማ ኮምፕሌክስ መሪቐን ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይረን።

እቲ ህንፃ በዓል 15 ደብሪ እንትኸውን፥ 592 ህፃናትን 887 ዓበይቲን ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎም ክልተ ኣዳራሻት ሲኒማ ከምዘለውዎ እተን ከንቲባ ገሊፀን።

በዓል ኣርባዕተ ደብሪ መኪና ደው መበሊ ከምዘለዎ እውን ተዛሪበን።

እኹል መተሓላለፊ ድምፂ ስርዓት፣ ዘበናዊ መብራህቲ፣ መሳርሒታት መቆፃፀሪ ኣየር ኣካቲቱ ዝተሃነፀ ኢዩ ተባሂሉ።

ንቢሮታት፣ ስቱዲዮ፣ ስእሊን ኣርት ጋለሪን፣ ቤተመፃሕፍቲ፣ ካፍቴሪያ፣ ሱፐርማኬት፣ ቤት ምግቢ፣ ሹቓት፣ ቤተ ፅባቐ፣ ኣገልግሎት ባንኪ፣ ትኬት መውሃቢ ቢሮታትን ንኣገልግሎት ዑደትን ዝውዕሉ ክፍሊታት ኣማሊኡ ኢዩ ተሃኒፁ።

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.