Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 347 ግልጋሎት ዲጂታላይዝ ብምግባር ቅርታ ክንክዩ ተገይሩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 347 ግልጋሎት ዲጂታላይዝ ብምግባር ቅርታ ክንክዩ ተገይሩ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።

3ይ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 4ይ ዓመት ዘመን ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤ ምክያድ ጀሚሩ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ በጀት ዓመት 2017 እቲ ምምሕዳር ሪፖርት ኣፈፃፅማ ኣብ ዘቕረባ እተን ከንቲባ፤ ኣብ ትካላት ዝርከቡ 347 ኣገልግሎታት ዲጂታላይዝ ብምግባር፣ ምንግልታዕ ተገልጋሊነትን ምልልስን ብምትራፍ ቅርታ ክቅንሱ ተገይሩ፡፡

ኣብ ትካላት ምቹእ ናይ ስራሕ ሃዋህው ንምፍጣር ልዕሊ 2 ሺሕ147 ሰራሕተኛታት መንግስቲ መፅንሒ ክንክን ህፃናት ተጠቀምቲ ክኾኑ ምግባር ምኽኣሉ ኣረዲኤን።

ብተወሳኺ ትካላት ልዕሊ 185 ካፍቴሪያታት ግልጋሎት ክውሃቦም ብምግባርን 150 ድኳናት ናብ ስራሕ ብምእታውን ሰራሕተኛታት መነባብሮ ዋጋ ክፃወሩ ዘኽእል ምቹእ ኩነታት ተፈጢሩ ኢለን።

ልዕሊ 21 ሺሕ 46 መዕረፊ ተገልገልቲ ብምድላው ምችው ኣገልግሎት መውሀቢ ትካላት ምህናፆም ሓቢረን፡፡

ብመንፅር ሰላምን ድሕንነትን ተሳትፎ ሕብረተሰብ ንምጉልባት ሰላም እቲ ከባቢ፣ሓበራዊነት ምትሕብባርን ብዝምልከት ልዕሊ 7 ነጥቢ 9 ሚሊየን ሕብረተሰብ ኣብ ምህናፅ ብደረጃ ሕብረተሰብ ለኸ መድረኻት ዘተ ክሳተፉ ከምዝኸኣሉ ገሊፀን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.