Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ዲጂታል ኢንተርፕራይዝ ምሃብ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ዲጂታል ኢንተርፕራይዝ ዝተብሃለ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ምሃብ ከምዝጀመረ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ገሊፀን፡፡

እቲ ሚኒስቴር ካብ ሞንጎ ዝህቦም ኣገልግሎታት እቶም ክልተ ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ምሃብ ከምዝጀመሩ እተን ሚኒስትር ንግዜኢ ተዛሪበን፡፡

እቶም ኣገልግሎታት ድማ ዜጋታት ውሽጢ ሃገር ፍቓድ ስራሕን ሕድሳትን ከምኡ እውን ዲጂታል ኢንተርፕራይዝ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን፡፡

ዲጂታል ኢንተርፕራይዝ ከም ሃገር ሓዱሽ ስርዓት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ኣገልግሎት ዜጋታት ኣብ ኢንተርፕራይዝ እንትውደቡ ይገጥሞም ዝነበረ ዝተሓላለኸ ኣሰራርሓ ከምዘትርፍ ገሊፀን።

ቅድብ ክብል ኣብ ኢንተርፕራይዝ ናይ ምውዳብ ከይዲ ናይ ብዙሓት ትካላት በሪ ምንኩሕዃሕ ዝሓትትን ኣካይዳን ምትእጉጓል እናስዐበ ከምዝነበረ ኣዘኻኺረን፡፡

ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኣወሃህባ ዘበናዊ ኣገልግሎት ካብ ምርግጋፅ ሓሊፉ ንህንፀት ትካል ሓጋዚ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚበን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.