Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፍሪካ ዓውዲ ሎጂስቲክስን ማሪታይምን ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ምስራሕ ይግባእ – ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ዓውዲ ሎጂስቲክስን ማሪታይምን ዘበኑ ዝጠልቦ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ብምትሕብባር ምስራሕ ይግባእ ኢሎም ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፡፡

ጉባኤ ማሪታይም ኣፍሪካ ሚኒስትራት ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ሃገራት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ሓለፍቲ ማሪታይም ኣብ ዝተረኹቡሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበለዎ÷ ኣብ ኣፍሪካ ዓውዲ ማሪታይም ብቑዕ፣ ተወዳዳሪን ግዚኡ ዝጠልቦን ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ብትኹረት ምስራሕ ይግባእ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ማእኸላት ስልጠና ብቑዓት ባሕረኛታትን ካልኦት ሰብ ሞያን ንምፍራይ እናሰርሐት ከምትርከብ ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ጉባኤ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብቲ ዓውዲ ዘለወን ዓሚቕ ዓቕሚ ብምጥቃም ብሓባር ንኽሰርሓ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም እቶም ሚኒስትር፡፡

ኣብ ኣፍሪካ ድሕንነቱ ዝተረጋገፀን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ ንመሃብ ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሎጂስቲክስን ማሪታይምን ብምትሕብባርን ብምውዳድን ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነት እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.