ኣብ ኣፍሪካ ጉባኤ ፖርቲታት ፖለቲካ ንተረባሕነት ዜጋታት ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ – ቢቂላ ሁሪሶ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 12 ጉባኤ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሪካ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኢሎም ሓላፊ ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ውድብ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)።
“ካብ ፖለቲካ ካሳብ ብልፅግና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣክራ ጋና ዝተኻየደ ጉባኤ ዜጋታት ኩለመዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ትኹረት ዝገበረ ነይሩ ኢሎም፡፡
እቲ መድረኽ ንኣህጉራዊ ለውጢ፣ ንተረባሕነት ዜጋታትን ህንፀት ሃገረ መንግስትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ ኢሎም።
ኣብቲ ጉባኤ ኣብ መንጎ ፓርቲታት ፖለቲካ ምትሕብባር ንምጥንኻር ንኣህጉራዊ ዕብየት ዝኸውን ተስፋ ጥምረት ፓርቲታት ጋህዲ ንምግባር ዝዓለመ ዘተ ምክያዱ ተዛሪቦም፡፡
ብተወሳኺ ፓርቲታት ስግግር ኢኮኖሚ፣ ዘላቒ ህንፀት ሰላምን ህንፀት ሃገረ መንግስትን ንምርግጋፅ ብትግሃት ክሰርሑ ከምዘለዎም ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ጠንኻራ ኣፍሪካ ንምህናፅ ልዑል መሰረት ከንብር እዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!