Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋን ለውጢ 170 ቢሊየን ብር ዝነበረ ኣታዊ መንግስቲ ኣብዚ ዓመት 1 ትሪሊየን ብር ትፅቢት ይግበር -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ እዋን ለውጢ 170 ቢሊየን ብር ዝነበረ ኣታዊ መንግስቲ ኣብዚ ዓመት 1 ትሪሊየን ብር ትፅቢት ይግበር ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂ እናሃቡ ይርከቡ፡፡።

ኣብ መብርሂኦም ድማ ቀንዲ ዕላማ መመሓሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ምዝባዕ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ምዕራይ ከምዝኾነን በዚ ድማ መንግስቲ ዝተረከቦ ዕዳን ስብራት ማክሮ ኢኮኖሚን ከምዝፀገነ ሓቢሮም፡፡

ኣብ መመሓየሺ ማክሮኢኮኖሚ ምኡው ከባቢ ኢንቨሰትመንት ንምፍጣር፤ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ዝእመንን መካተቲን ምግባር ተኻኢሉ ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ መፍረያይነትን ተወዳዳራይነትን ኢንዱስትሪታት ምጥንኻር ከምኡ እውን ዝተጠናኸረ ስርዓት ፋይናንስ ከምዝተዘርገሐ ኣብሪሆም፡፡

ስብራት ማክሮ ኢኮኖሚ ዝነበረ ኣታዊ መንግስቲ ብቴክኖሎጂ ብምዝማን ኣታዊ መንግስቲ ምምሕያሽ ከምዝተኽኣለ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ ዓመት ሓደ ትሪሊየን ብር ኣታዊ ክእከብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ ኢሎም፡፡

ብሪፎርም ንግዲ ወፃኢ ምድንፋዕ ተኻኢሉ ኢዩ፤ ፅዕንቶ ዕዳ ንምንካይ ፃዕሪ ከምዝተገበረ ብምግላፅ ምስ ካልኦት ሃገራት እንትነፃፀር ኢትዮጵያ ዝሐሸ መጠን ልቓሕ ኣለዋ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ዘለዋ ልቓሕ ካብ 23 ቢሊየን ኣይበልፅን ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዕዳ ንምኽፋልን ንምምሕዳርን ፀገም የብላን ኢሎም፡፡

ኣታዊ ንምምሕያሽ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ርእሱ ዝኸኣለ ሪፎርም ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝምራሕ ኮሚቴ ተጣይሹ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ብምሕባር፤ በዚ ድማ ዘዕግብ ኢዩ ዝበሃል ዋላ እንተዘይኮነ ልዑል ለውጢ ከምዝመፅአ ገሊፆም፡፡

ኣብ እዋን ለውጢ 170 ቢሊየን ብር ዝነበረ ኣታዊ መንግስቲ ኣብዚ ዓመት 1 ትሪሊየን ብር ትፅቢት ይግበር ኢሎም፡፡

ኣብ ዘፈር ንግዲ ወፃኢ ለውጢ ከምዝመፅአን ቅድሚ ዓሚ ሪፎርም እንተይተጀመረ ኣብ 2016 ዓ.ም ዓመት ሙሉእ ካብ ንግዲ ወፃኢ ዝረኸብናዮ መጠን ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራሕ ናብ ወፃኢ ልኢኽና ኢና፤ እቲ ሪፎርም ዝጭበጥ ውፅኢት ኣምፂኡ ኢዩ ኢሎም ኣብ መብርሂኦም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.