Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋን ክረምቲ ግልጋሎት ግብረ ሰናይ 2 ሺሕን 500 ገዛውቲ ንምህናፅ ተሊምና – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ እዋን ክረምቲ ብስራሕቲ ግልጋሎት ግብረ ሰናይ 2 ሺሕ 500 ገዛውቲ ንምህናፅ ተሊምና ክብሉ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡

ምምሕዳር እታ ከተማ መክፈቲ መርሃ ግብሪ ግልጋሎት ግብረ ሰናይ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ከምዝበልኦ፤ ግልጋሎት ግብረ ሰናይ ባህሊ ኮይኑ ክቕፅል ዘለዎ ሰናይ ተግባር እዩ፡፡

ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ሰብሃፍቲን ብምትሕብባር ስራሕቲ ግብረ ሰናይ ተጠናኺም ምቕፃሎም ሓቢረን፡፡

18 ዝተፈላለዩ ናይ ግብረ ሰናይ ስራሕቲ ንምትግባር ትልሚ ከምዝተትሓዘ ብምሕባር፤ ብመሰረት እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ንምህናፅ ምትላሙ ተገሊፁ፡፡

ብነፃነት ፀጋይ

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FFBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.