ኣብ እዋን ክረምቲ ግልጋሎት ግብረ ሰናይ 2 ሺሕን 500 ገዛውቲ ንምህናፅ ተሊምና – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ እዋን ክረምቲ ብስራሕቲ ግልጋሎት ግብረ ሰናይ 2 ሺሕ 500 ገዛውቲ ንምህናፅ ተሊምና ክብሉ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
ምምሕዳር እታ ከተማ መክፈቲ መርሃ ግብሪ ግልጋሎት ግብረ ሰናይ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ከምዝበልኦ፤ ግልጋሎት ግብረ ሰናይ ባህሊ ኮይኑ ክቕፅል ዘለዎ ሰናይ ተግባር እዩ፡፡
ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ሰብሃፍቲን ብምትሕብባር ስራሕቲ ግብረ ሰናይ ተጠናኺም ምቕፃሎም ሓቢረን፡፡
18 ዝተፈላለዩ ናይ ግብረ ሰናይ ስራሕቲ ንምትግባር ትልሚ ከምዝተትሓዘ ብምሕባር፤ ብመሰረት እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ንምህናፅ ምትላሙ ተገሊፁ፡፡
ብነፃነት ፀጋይ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FFBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!