ኣብ እዋን ክራማት ካብ ዝለምዐ ስርናይ ልዕሊ 175 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ትፅቢት ይግበር – ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ እዋን ክራማት 2017/18 ዓ.ም ካብ ዝለምዐ 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ዘርኢ ስርናይ ልዕሊ 175 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ትፅቢት ይግበር ኢሎም ሚኒስትር ግብርና ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ክልል ኦሮሚያ ሃገራዊ መዓልቲ ስርናይ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ በቶም ሚኒስትር ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብቲ ዞባ ወረዳታት ዶዶላን ኣዳባን ብምርካብ ስራሕቲ ልምዓት ስርናይ ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ።
ኣይተ ኣዲሱ፥ ሎሚ ዘበን ብብርኪ ሃገር ብኣዝርእቲ ካብ ዝተሸፈነ 20 ነጥቢ 7 ሊየን ሄክታር መሬት 653 ሚሊየን ኩንታል ፍሪያት ክሕፈስ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ ኢሎም።
ካብ መንጎ እዚ፥ እቲ 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዘርኢ ስርናይ ምሽፋኑ ብምግላፅ፥ 175 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ስርናይ ትፅቢት ከመዝግበር ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ብስርናይ ንባዕልትና ንክንክእል ዝጀመርናዮ ስራሕ በቢዓመቱ ዕብየት እናመዝገበ ከምዝኾነ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!