ኣብ እፅዋታት መድሓኒት ውፅኢታዊ ምርምር ይግበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩኒቨርሲቲ ደብረ ብርሃን ኣብ ዓሰርተ ባህላዊ ኣብ እፅዋታት መድሓኒት ውፅኢታዊ ምርምር ይግበር ኣሎ ኢሉ፡፡
እቲ ዩኒቨርሲቲ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ምርምር ባህላዊ መድሓኒት ዘድሀበ ምኽክር ኣብ ከተማ ደብረ ብርሃን ኣካይዱ።
ዩኒቨርሲቲ ደብረ ብርሃን ኣብ ዓሰርተ ባህላዊ ኣብ ዕፅዋታት መድሓኒት ምርምር እናገበረ ምፅንሑ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዳይሬክተር ማእኸል መማዕበሊ መድሓኒት እፅዋትን ሃገር በቆል ፍልጠትን ኣንኮበር ዶክተር ኣማረ ኣያሌው ተዛሪቦም።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ 34 ሄክታር መሬት ምርምር እፅዋት መድሓኒት እናገበረ ከምዝርከብ እውን ሓቢሩ።
ባህላዊ ሕክምና ብምዝማን ምስ ቀዳማይ ደረጃ ስርዓት ጥዕና ንምትእስሳር እቲ ዩኒቨርሲቲ ተግባሩ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሉ።
ብሰላም ኣሰፋ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!