Fana: At a Speed of Life!

ኣብ  ከባቢታት ቆላ ዘለና ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ንምልማዕ ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ-ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ  ከባቢታት ቆላ ዘለና ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ንምልማዕ ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ሚኒስትር ግብርና ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ።

ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ሸበሌ ወረዳ በረዓኖን ጎዴን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ግብርና ዑደት ይገብሩ ኣለዉ።

እቶም ሚኒስትር ከምዝበልዎ፥ ኣብቲ ክልል ኣስታት 10 ሚሊየን ሄክታር መሬት ንሕርሻ ዝውዕል ኢዩ።

ካብ መንጎ እዚ 2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሄክታር ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ንስራሕቲ ልምዓት መስኖ ቆላሕታ ከምዝተውሃበ ብምግላፅ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብቲ ክልል ወሓዚ ሩባ ሸበሌ ነዚ ዕላማ ብስፍሓት ናይ ምውዓል ይካየድ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ብታምራት ደለሊ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.