ኣብ ከተማታት ዘመኑ ዝጠልቦ ግልጋሎት ፅሩይ ዝስተ ማይ ንምሃብ ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማታት ዘመኑ ዝጠልቦ ግልጋሎት ፅሩይ ዝስተ ማይ ንክህሉ ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ ኢሉ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን፡፡
ቢሮታት ማይ ምምሕዳር ክልልን ከተማን ከምኡ እውን ኣመራርሓታት ግልጋሎት ማይን ፈሳሲን ከተማ ፅሩይ ዝስተ ማይ ብዝበለፀ ተበፃሒ ንምግባር ኣብ ዝኽኣለሉ ኩነታት ይዝትዩ ኣለው፡፡
ፈፃሚ ስራሕ ማይን ፈሳሲን ኣብቲ ሚኒስቴር ኣይተ ታምሩ ገደፋ ኣብቲ እዋን፤ ብደረጃ ሃገር ተበፃሕነት ፅሩይ ዝስተ ማይ ንምጥንኻር ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ኢሎም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ኣሰራርሓ ከተማታት ብዝበለፀ ንምዝማን ንዓማዊል ምቹውን ስሉጥን ግልጋሎት ማይ ንምሃብ ዝተጀመሩ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅሉ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ቀፃሊ ኣብ ከተማታት ዝረኣዩ ምቁራፅ ግልጋሎት ማይ ብቐዋምነት ንምፍታሕ ከምዝሰርሕ እውን ኣረዲኦም።
ብጎህ ንጉሱ
Facebook FBC Tigrigna
Website www.fanamc.com/tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana