Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ሃረር 96 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ሪጅናል ላቦራቶሪ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ሃረር 96 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ሪጅናል ላቦራቶሪ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ ኣብቲ እዋን÷ ኣብቲ ክልል ንተበፃሕነትን ፅሬትን ዘፈር ጥዕና ንምድንፋዕ ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ንኣገልግሎት ክፍቲ ዝተገበረ ሪጅናል ላቦራቶሪ እውን ብርኪ ኣገልግሎት ጥዕና ዘዕቢን ካብቲ ክልል ሓሊፉ ንማሕበረሰብ ጎረባብቲ ከባቢታት ተረባሕቲ ዝገብር ከምዝኾነ ብምሕባር÷ እቲ ላቦራቶሪ ብሙሉእ ዓቕሚ ኣገልግሎት ንኽህብ ክትትልን ሓገዝን ክግበር ኢዩ ኢሎም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት 28 ላቦራቶሪታት ተሃኒፆም ኣገልግሎት እናሃቡ ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ ዝተሓላለኹ ምርመራታት ብምግባር ዓቕሚ ዘፈር ጥዕና ንምጉልባት ልዑል ብፅሒት ከምዘለዎም ኣብሪሆም።

ብተስፋዬ ሃይሉ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.