Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ማእኸላት መህነፂ ስብእና መናእሰይ ንምስፋሕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ማእኸላት መህነፂ ስብእና መናእሰይ ብዝበለፀ ንምስፋሕ ይስራሕ ኣሎ ኢለን ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ከምዝበለኦ÷ ኣብታ ከተማ ብቑዕ፣ ተወዳዳሪ፣ ጥዑይን ብስነ ምግባር ዝተሃነፀን ዜጋ ንምፍራይ ብቖራፅነት ምስራሕ ይግባእ፡፡

ኣብታ ከተማ ማእኸላት መህነፂ ስብእና መናእሰይ ካብ ምህናፅ ሓሊፉ ብዙሓት ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ተጠቃምነቶም ብዝበለፀ ንምዕባይ ብምውዳድ ከምዝተሰርሐ ኣብሪሀን፡፡

ኣብ መዳይ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታትን 6 ኣዋርሕን ኣብ ዘሎ ግዘ ልዕሊ 2 ሚሊየን መናእሰይ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ተዛሪበን፡፡

ብኻሊእ መዳይ ብለውጢ መንግስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወገኑ ማእኸላት መህነፂ ስብእና መናእሰይ እዋኑ ዝጠልቦ ክእለትን ዝደንፈዐ ስብእናን ዘለዎ መንእሰይ ንምፍራይ ዘኽእል ኢዩ ኢለን፡፡

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.