Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ማእኸላት ንግዲ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ማእኸላት ንግዲ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ኣብ ኣራት ኪሎ ባሻ ወልዴ ቤት ፍርዲን ማእኸላት ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ዝርከቡ ማእኸላት ሎሚ ተኸፊቱ።

እቲ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እታ ከተማ ኣብ ዝተረኽብሉ ተኸፊቱ።

እቲ ማእኸላት ዕዳጋ ንመፃኢ በዓል ዝኾኑ ዝተፈላለዩ እታወታት ቀሪቦም፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ማእኸል ዝተኸፈቱ ምርኢት ንግዲን ባዛርን ተጠቀምቲ ብቐጥታ ምስ ኣፍረይቲ ብምትእስሳር ኣብ እዋን በዓል ዘይፍትሓዊ ወሰኽ ዋጋታት ንምክልኻል ዘኽእል እዩ፡፡

ብተወሳኺ እቶም ማእኸላት ዕዳጋ ዝሰርሕዎ ፕሮጀክትታት ኢኮኖሚ ማሕበረሰብ ተረባሕነት ዘረጋግፁ ምዃኑ ገሊፀን።

ኣብ ንዝመፅእ በዓል ካብ ዝተኸፍቱ ማእኸላት ኤግዚቢሽንን ባዛራትን ብተወሳኺ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ንማሕበረሰብ ብተመጣጣኒ ዋጋ ኣቑሑት ዝሸጣ ባዛራት ክኽፈታ እየን ተባሂሉ።

ብቅድስት ኣባተ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.