ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብድምቀት ንምኽባር ዝተገበረ ምድላው…
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብድምቀት ንምኽባር ኣድላዪ ምድላው ተገይሩ ኢሉ ቤት ፅሕፈት መካየዲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡፡
ናይዚ ዓመት በዓል ኢሬቻ ዝቕፅል 24 መስከረም 2018 ዓ.ም ኣብ ሆረ ፊንፊኔ ‘ኢሬቻ ንብራኸ ሃገር’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር ኢዩ፡፡
ብመዓርግ ም/ከንቲባ ዋና መካየዲ ስራሕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወንድሙ ሴታ (ኢ/ር) ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ኢሬቻ ናይ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሐውነትን ሓድነትን በዓል ኢዩ፡፡
እቲ በዓል ህዝቢ ኦሮሞ ክረምቲ ብሰላም ብምዝዛሙ ኩሉ ነገር ንዝፈጠረ ኣምላኽ ምስጋና ዘቕርበሉ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም፡፡
በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብድምቀት ንኽኽበር ኮሚቴ ተጣይሹ ኣድላዪ ምድላው ከምዝተገበረ ብምሕባር፤ እቲ በዓል ዝኽበሉ ቦታ መሰረተ ልምዓት ናይ ምምላእ ስራሕ ከምዝተወገነ ኣብሪሆም፡፡
እቲ በዓል ዝኸበረሉ ፓርክ ኢሬቻ ውቁብ፣ ንፁህን ንጉድኣት ከቃልዑ ካብ ዝኽእሉ ነገራት ናፃ ክኸውን ተገይሩ እውን ኢሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ መኽበሪ እቲ በዓል ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ፣ ማይን ካልኦትን ምቁርራፅ ከይፍጠር ከምዝተሰርሐ ፀሪሖም።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!