Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ዝኾኑ ፍርያታ ብእኹል ኩነታት ቀሪቦም – ቢሮ ንግዲ እታ ከተማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅእ በዓል ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ንበዓል ዝኾኑ ፍርያታት ብእኹል ቀሪቡ ኢሉ ቢሮ ንግዲ እታ ከተማ።

ሓላፊት እቲ ቢሮ ወ/ሮ ሃቢባ ሲራጅ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ነበርቲ እታ ከተማ ንበዓል ኣድለይቲ ፍርያታት ብዝተረጋገአ መልክዑ ክዕድጉ እኹል ቀረብ ከምዘሎ ተዛሪበን፡፡

ኣብታ ከተማ ትሽዓተ ማዕኸል ዕዳጋታት፣ 219 ዕዳጋ ቀዳምን ሰንበትን ከምኡ እውን 20 ባዛራት ብምስንዳእ እኹል ፍርያት ከምዝቐረበ ሓቢረን።

እተን ሓላፊት ከምዘበለኦ፥ ልዕሊ 59 ሺሕ ኩንታል እኽሊ፣ ልዕሊ 124 ሺሕ ዳልጋ ከፍቲ፣ ልዕሊ 289 ሺሕ ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ እውን ልዕሊ 698 ሺሕ ደርሁ ናብ ዕዳጋ ቀሪቡ፡፡

ብቅድስት ተስፋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.