ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኣገልግሎት ጉቦ ዝሓተቱ ኣመራርሓ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ትካል ቄራታት ዝወሃብ ኣገልግሎት ንምርካበ ዝኸዱ ተገልገልቲ ገንዘብ ዝሓተቱ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣመራርሓ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም፡፡
እቶም ተጠርጠርቲ ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ሰይድ እንድሪስ ከማልን ምክትሎም ኣይተ የሱፍ ድሪብሳ ማሞን ኢዮም፡፡
እቶም ኣመራርሓ ገንዘብ እንተዘየምፂእኹም ኣገልግሎት ኣይትረኽቡን ብዝብል ምንግልታዕ እናፈጠሩ ፀኒሖም ብዝበፅሐ ሓበሬታ ሎሚ መዓልቲ ካብ ተገልጋሊ ጉቦ እናተቐበሉ ኢደ ብኢድ ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ፡፡
ሕብረተሰብ ኣብ ቀፃሊ ግዕዝይና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ጎኒ እቲ ምምሕዳር ከተማ ብምዃን ብምውዳድ ንኽሰርሕ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!