ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ወነንቲ መንበሪ ገዛ ንምግባር ዝዓለመ ስምምዕነት ተኸቲሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ወነንቲ መንበሪ ገዛ ንምግባር ዘኽእል ስምምዕነት ውዕሊ ተፈሪሙ።
እቲ ስምምዕነ ቢሮ ልምዓት ኣባይቲን ምምሕዳርን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ኢዩ ተፈሪሙ፡፡
ብመሰረት እዚ እቲ ስምምዕነት መምህራን ሓዊሱ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተረባሕቲ መንበሪ ኣባይቲ ንምግባር ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቲ ስምምዕነት ብትሑት መጠን ወለድ ብመርሃ ግብሪ 25/75 ላቓሕ ዝውገን ኢዩ ተባሂሉ፡፡
ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ልዕሊ 40 ሺሕ ሰራሕተኛታታት መንግስቲ ተበፃሒ ንምግባር ከምዝተሃቀነ እውን ተገሊፁ፡፡
ብጀማል ኣሕመድ