Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፁ ማእከላት፣ መዕረፊ መካይንን ተርሚናላትን ንግልጋሎት በቂዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፁ ማእኸላት ዕዳጋ፣ መዕረፊ መካይንን ተርሚናላትን ሎሚ ተመሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኖም።

ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን፤ ኣዲስ ኣበባ ከም ስማ ትዕምብብ ንነበርታ ዝያዳ ምቹውቲን ንበፃሕቲ ሰሓቢት እናኾነት እያ ኢለን።

ሎሚ ካብ ኣራዳ ጀሚሩ ሜክሲኮ፣ ለገሃር፣ ሳር ቤትን ከባቢ ሕብረት ኣፍሪካን ምስሊ እታ ከተማ ዝያዳ ዘመሓይሹ ፕሮጀክትታት ተመሪቖም ንኣገልግሎት ምብቅዖም ተዛሪበን፡፡

እቲ ህንፀታት ንመንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዕድል ስራሕ ዝፈጥር፣ ዋሕዚ ትራፊክ ዘቃልል፣ ዘመናዊ ከባቢታት ፅባቐ ዘዕብዩን ምዃኖም ኣብሪሄን።

በዚ መሰረት ኣብ ከባቢ ቤት ፍርዲ ባሻ ወልዴ ፓርኪንግ ከምኡ እውን ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ማእኸል ዕዳጋ፣መዕረፊ መካይንን መዘናግዒ ህፃናትን ንግልጋሎት ከምዝተኸፍተ ገሊፀን።

ማእከል ዕዳጋን ሕብረት ኣፍሪካን ፓርኪንግስን ኣብ 28 ሺሕ 500 ሜትር ስኩዌር መሬት ዝተሃንፀ ዘመናዊ ማእከል እዩ።

እቲ ማእከል ክልተ ቤዝመንትና ፕላዛን፣ 250 ድኳናት ኣብ ሓደ እዋን 250 መካይን ከተአናግድ ዝኽእል ኮይኑ፣ መፃወቲ ህፃናት፣ 45 መኽዘናት፣ ፅርየት መሐለዊ ክፍልታት፣ ፋውንቴን፣ ኣምፊ ቴኣትርን ፕላዛን ኣብ ውሽጡ ሒዙ፡፡

ክልተ ማእከላት ዘመናዊ መቆፃፀሪ ባርዕ ሓዊ፣ ናይ ደሕንነት ካሜራ ዝተገጠመሎም፣ ንሕፃናት፣ ንዓቅሚ ድኹማትን ኣረጋውያንን ምቹውን ንኹሉ ዝሓቁፍን መሰረተ ልምዓትከም ዘለወን ተሓቢሩ፡፡

ብሓፈሻ ካብ ሜክሲኮ ክሳብ ለገሃርን ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ዝርከባ ከባቢታት ክሳብ 3 ሺሕ 769 ተሽከርከርቲ ምትእንጋድ ዝኽእል መሰረተ ልምዓትን ፓርኪንግን ከምዝርከብሉ ኮሙኒኬሽን ቢሮ እታ ከተማ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.