Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተዋደደ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ንፍዮ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 628 ሺሕን 463 ህፃናት ተበፃሒ ንምግባር ዝዓለመ ዝተዋደደ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ንፍዮ ተጀሚሩ፡፡

ን10 መዓልቲታት ኣብ ዝፀንሕ ወፍሪ ክታበት ዕድሚኦም ካብ 9 ወርሒ ክሳብ 5 ዓመት ንዝኾኑ ህፃናት ከምዝወሃብን ነዚ ድማ 314 ጉጅለ ክታበት ተዋዲዶም ስራሕ ከምዝጀመሩ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዮሃንስ ጫላ (ዶ/ር) ተዛሪቦም፡፡

እቲ ወፍሪ ኣብ 96 ጣቢያታት ጥዕና 1 ሺሕን 536 ግዚያዊ መውሀቢ ክታበት ከምዝወሃብ ብምሕባር፤ ወለዲ ደቆም ንኸኽትቡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ህፃናት ቅድሚ ሕዚ ብስሩዕ ይኹን ብወፍሪ ይከተቡ ኣይከተቡ ሕዚ ዝተጀመረ መጠናኸሪ ካትበት ክወስዱ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብሲፈን መኮንን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.