ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 51 ሺሕን 521 ተምሃሮ ፈተና 12 ክፍሊ ብኦንላይን ክወስዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኩሎም መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ዝወስዱ ተምሃሮ ብኦንላይን ክፍተኑ ምግባር ኣድላዪ ምድላው እናተዛዘመ ይርከብ ኢሉ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ምምሕዳር ከተማ፡፡
ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ዲናኦል ጫላ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ እዚ ዓመት ንምውሳድ 51 ሺሕን 521 ተምሃሮ ተመዝጊቦም፡፡
እቶም ተምሃሮ ብመርሃ ግብሪ ቀትሪ፣ ምሸትን ብርሕቐትን ትምህርቶም ዝተኸታተሉ ከምኡ እውን ናይ ምክልኻልን ናይ ውልቀን ተፈተንቲ ኢዮም ኢሎም፡፡
ኩሎም ተፈተንቲ 12 ክፍሊ 2017 ዓ.ም እታ ከተማ ፈተናኦም ብኦንላይን ከምዝወስዱ ብምሕባር÷ ነዚ ድማ ኣድላዪ ምድላው እናተገበረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ብሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!