ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ወፃኢ መፃረዪን መወገዲን ረሳሕ ፈሳሲ ክህነፅ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ብልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ብዝኾነ ወፃኢ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ህንፀት መፃረዪን መወገዲን ረሳሕ ፈሳሲ ንምውጋን ስምምዕነት ገይሩ፡፡
እቲ ሚኒስቴር ስምምዕነት ዝገበረ ምስ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኮንስትራክሽን ዮት ኢዩ፡፡
ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን፤ ህዝቢ ድሬዳዋ በቲ ፕሮጀክት ተጠቃሚ ንምግባር ኮንስትራክሽን ዮት ብዝድለ ፅሬትን ደረጃን ኣብ ዝተቐመጠ ገደብ እዋን ስራሑ ብምዝዛም ንኸረክብ ኣተሓሳሲቦም፡፡
እቲ ፕሮጀክት መንግስቲ ከተማታት ንፁህን ንምርኣይ ዝማርኽን ንምግባር ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ካብ ዝውግኖም ተግባራት ዝተኣሳሰረ ኢዩ ኢሎም፡፡
ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ደቂ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮን ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር እውን ኣብሪሆም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!