ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ መብዛሕተኦም ፓርቲታት ፖለቲካ ተሳትፎ ገይሮም – መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ መብዛሕተኦም ፓርቲታት ፖለቲካ ተሳትፎ ገይሮም ኢሎም።
እቲ ኮሚሽን ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ መድረኽ ዘተ ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ንዘመናት ዝፀንሑ ኣፈላላያትን ሓሳባት ፖለቲካን ዓሚቕን ግልፂን ዘተ ክገብር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡
መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ÷ እቲ ኮሚሽን እናወገኖ ኣብ ዝርከብ ከይዲ ዘተ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖለቲካ ንቑሕ ተሳትፎ እናገበሩ ይርከቡ፡፡
እቲ ከይዲ ዘተ ዕዉት ንኽኸውን ተሳትፎ ፓርቲታት ፖለቲካ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ኣብ ከይዲ ዘተ መብዛሕተኦም ፓርቲታት ፖለቲካ ንቐሑሕ ተሳትፎ እናገበሩ ፀኒሖም፡፡
ክሳብ ሕዚ ድማ ኣብ ከይዲ ምኽክር ዘይተሳተፉ ፓርቲታት ፖለቲካ ከምዘለዉ ብምሕባር÷ እዞም ፓርቲታት ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ኣብቲ ከይዲ ዘተ ተሳትፎ ንኽገብሩ ዳግም ፃውዒት ኣቅሪቦም፡፡
እቲ ሃገራዊ ዘተ ሒዙዎ ዝተልዓ ዕላማ ተሳትፎ ፓርቲታት ፖለቲካ ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።
ብኣመለወርቅ መኳንንት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!