ኣብ ከይዲ ዘተ ተሳትፎ ክልል ትግራይ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽና ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ድሕሪ ብዙሕ ፀገማት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ትግራይ ዘካይዶ ቀዳማይ ዙር መድረኽ ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ጉባኤን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣጀሚሩ።
ናይ ለውጢ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ስነ-ምህዳር ፖለቲካን ልምምድ ስርዓት ዴሞክራሲ ንኽህሉ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ዝፀንሑ ቅርሕንቲታት ንምትዕራቕ ኮሚሽን ዘተ ብምጥያሽ ናብ ስራሕ ካብ ዘእቱ ፀኒሑ ኣሎ፡፡
ኣብ ታሪኽ ሃገረ ንግስቲ ኢትዮጵያ ፈላማይ ብዝኾነ ኮሚሽን ዘተ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምስ ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት ክልላት፣ መዳርግቲ ኣካላት ፌዴራልን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ኣጀንዳ ኣተኣኻኺቡ ኢዩ፡፡
ኢትዮጵያውያን ክለዓሉ ወይ እውን ክስተኻኸሉ ዝደልዩዎም ሓሳባት ብተወከልቶም ኣቢሎም ነቲ ኮሚሽን ብምርካብ ንፅባሕ ኢትዮጵያ ሓሳብ እንተዋፅኡ ኣብ ክልል ትግራይ ግን ብዘሎ ፀገም ፀፅታን ሰላምን ምኽንያት ስራሕቲ ምእካብ ኣጀንዳ እንተይተወገነ ፀኒሑ ኢዩ፡፡
ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐስ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ነቲ ሃገራዊ ዘተ ቅኑዕ ምትሕብባር ብዘይምግባሩን እቲ ጉጅለ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ውድባት ፖለቲካን ሲቪክ ትካላትን ብናፅነት ተንቀሳቒሶም ኣጀንዳኦም ንኸየረክቡ ምግባሩ ኣጀንዳታት እቲ ክልል ነቲ ኮሚሽን ከይቐርቡ ቀዳማይ ምኽንያት ኮይኑ ፀኒሑ ኢዩ፡፡
ይኹን እምበር ደላዪ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ካብ ወረዳታትን ዞባታትን እቲ ክልል ኣጀንዳኦም ብምእካብን ብዙሓት ኪሎ ሜትራት ብምጉዓዝ ቀዳማይ ዙር ምእካብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ጉባኤን ምስቲ ኮሚሽን ብምትሕብባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናካየደ ይርከብ፡፡
ሎሚ መዓልቲ ዝተኣከቡ ኣጀንዳታት ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ድምፂታት ምስማዕ፣ ቅድም ክብል ንዝተፈፀሙ ጥፍኣታት ስርዓት ተሓታትነት ንምስንዳእ ከምኡ ኣብ ቀፃሊት ኢትዮጵያ ወናንነት ምድንፋዕ ዘለዎ ግደ ዕዙዝ ኢዩ፡፡
ክልል ትግራይ ኣብቲ ከይዲ ዘተ ምስታፋ ህዝቢ እታ ክልል ኣብ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ኣሰር ካብ ምዕራፍ ሓሊፉ ብባህሊ ይኹን ብታሪኽ ጥንኩር ክብሪታት ዝውንን ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘለዎ ናይ ጎንፂ ዕንክሊል ንኽወፅእ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ኢዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ተሳትፎ ዘተ እቲ ክልል ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ምስተዛዘመ ዝተፈጠሩ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ፀገማት ንምፍታሕ ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ትፅቢት ይግበር፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!