ኣብ ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ታሪኽ ካብ ዝተፅሓፈለን ዕለታት ሓንቲ 4 ጥቅምቲ ……
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ታሪኽ ካብ ዝተፅሓፈለን ዕለታት ሓንቲ 4 ጥቅምቲ ተፀራሐት ኢያ፡፡
ሃራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ድሕሪ 31 ዓመታት ትፅቢት ናብ ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝተመለሰትላ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2005 ዓ.ም ከምዝኾነት ይዝከር፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዝመስረተቶ መድረኽ ውድድር ናይ በላዕቲ ተመልካቲት ኮይና ናብቲ መድረኽ ንምምላስ 31 ዓመታት ክትፅበ ተገዲዳ ነይራ፡፡
ብሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ ዘይርስዑ ዓወታት ሓደ እውን ኣብዛ ዕለት ዝተፅሓፈ ታሪኽ ሓንቲ ኢያ፡፡
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ኦምዱርማን ብሱዳን 5 ን 3 ተሳዒራ ትምፃእ እምበር ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ 2 ን 0 ብዝኾነ ውፀኢት ብምስዓር ብድምር ውፅኢት 5 ማዕረ ብምዃን ካብ ሜዳ ወፃእ ዘእተወ ብዝብል ሕጊ ነቲ ውፅኢት ብምልዋጥ ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ከምዝተመለሰት ኣይርሳዕን፡፡
ኣዳነ ግርማን ሳላዲን ሰይድን ኣብቲ እዋን ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝተዓወተትለን ሸቶታ ዘመዝገቡ ተፃወትቲ ኢዮም፡፡
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ድማ ኢትዮጵያ ድሕሪ 31 ዓመታት ትፅቢት ደቡብ ኣፍሪካ ንዘሰናደአቶ ፅዋዕ ኣፍሪካ ክትሓልፍ ክኢላ፡፡
ሃራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብኢንስትራክተር ሰውነት ቢሻው እናተመርሐት እዚ ዓብዪ ታሪኽ ካብ ዝፅሕፉ 13 ዓመታት ተቖፂሮም፡፡
እቲ እዋን ልዑል ፍቕሪ ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያዊያን ዝተርኣየሉን ናይቲ እዋን ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ታሪኽ ዝሰርሑሉን መድረኽ ብምዃን ተመዝጊቡ ይርከብ፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!