Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ካሊፎርንያ ንእሽተይ ኣውሮፕላን ተሓምሺሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ካሊፎርንያ ሳን ዲዬጎ መንበሪ መንደር ብምኽንያት ጭጋግ ኩነታት ኣየር ንእሽተይ አውሮፕላን ተሓምሺሻ።

እታ ዝተሓምሸሸት ኣውሮፕላን 15 ኣባይቲን ብዙሓት መካይንን ብሓዊ ንክቃፀሉ ምግባሩ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ኣፍሊጦም፡፡

እታ ኣውሮፕላን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባይቲ ምውዳቃ ዝገለፁ እቶም ሰብ መዚ÷ ነዳዲ እታ ኣውሮፕላን ምፍሳሱን ኣብ ጥቃ እቲ ሓደጋ ዝበፅሐሉ ዝርከቡ ነበርቲ ብህፁፅ እቲ ከባቢ ለቒቆም ክወፁ ምእዛዙ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ሓደጋ ኣውሮፕላን ብምብፅሑ ምኽንያት ምዕፃው ተገሊፁ፡፡

እታ ዝወደቐት ኣውሮፕላን ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸሞንተ ሰባት ምጉዕዓዝ እትኽእል ምዃና ዝተገለፀ እንትኾን÷ክንደይ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ውሽጢ ከምዝነበሩን ዝበፅሐ መጉዳቲ ክሳብ ሕዚ ዕላዊ ዘይምዃኑ ቢቢሲ ገሊፁ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.