ኣብ ክልል ሃረሪ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓደ ፀሓይ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ሃረሪ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓደ ፀሓይ ይካየድ ኣሎ።
እቲ መርሃ፥ ግብሪ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልልን ኣብ ዝተረኸብሉ ኢዩ ተጀሚሩ።
ብመሰረት ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከባ ትሽዓተ ወረዳታት ካብ ንጎሆ 12፡00 ሰዓት ጀሚሩ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብ ሓደ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ ኣብ መልላእ ሃገር ይካየድ ኣሎ።
ብተስፋዬ ሃይሉ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!