Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ሃገራዊ ዘተ ንምጅማር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ሃገራዊ ዘተ ንምጅማር ዘኽእሉ ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ።

እቲ ኮሚሽን ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘተ ዕውት ንክኾን ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካ፣ ሲቪል ማሕበራት፣ ምሁራትን ተወለድቲ እቲ ክልልን ዘተ ምክያዱ ገሊፁ።

እቲ ዘተ ኣብ ቐፃሊ ኣብቲ ክልል ንዝካየድ ዘተ እታወታት ከምዝኾን ወሃቢ ቃል እቲ ኮሚሽን ጥበቡ ታደሰ ተዛሪቦም፡፡

ብኻሊእ ወገን ድማ እቲ ኮሚሽን ከም ሃገር ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝኣከቦ ኣጀንዳ ብምውዳብ ኣጀንዳ ናብ ምዕራፍ ምሕንፃፅ ንምስግጋር ዘኽእሎ ስራሕ ይዛዝም ኣሎ ኢሎም።

እዚ ከይዲ ክቀላጠፍ ከይዲ ዘተ ብዝበለፀ ኣሳታፊ ናይ ምግባር ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ ኢሎም፡፡

ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘለውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፍርዲ ዝፅበዩን ሓዊሱ ከምኡ እውን ካብቲ ዘተ ዓሶም ዘግለሉ ውድባት ፖለቲካ ኣጀንደኦም ከትሕዙን ኣብቲ ዘተ ክሳተፉን ፃዕሪታት ይግበር ከምዘሎ እውን ኣረዲኦም፡፡

ብሔብሮን ዋልታው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.