Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ተበፃሕነት ሓይሊ ንምዕባይ ስራሕቲ ምስፍሕፋይ ይውገን ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሪጅን መቐለ እናዓበየ ዝመፅአ ጠለብ ሓይሊ ንምትእንጋድ ዘኽእል መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ እናወገነ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዝሓፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት 175 ነጥቢ 92 ኪሎ ሜትሮ ዝርገሐ ትሑት መስመር ውሽጢ ንውሽጢ ከምኡ እውን 135 ነጥቢ 14 ኪሎ ሜትሮ ዝርገሐ ማእኸላይ መስመር ከምዝተገበረ ንፋና ዲጂታል ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዓዲግራት ፋፂ፣ ዕዳጋ ሓሙስ፣ ፍረወይኒ፣ ሓውዜን ውቕሮ፣ ኣጉላዕን ኣፅቢን፤ ንመንደር መስፋሕፍሒ፣ ንልምዓት መስኖ፣ ንስራሕቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከምኡ እውን ንዝተፈላለዩ ተግባራት ማኑፋክቸሪንግን ህንፀት ማእኸላት ዕዳጋ ቱሪዝምን ኣገልግሎት ዝህቡ 198 ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎም ትራንስፎርመራት ተኸላ ከምዝተወገነ ገሊፁ፡፡

እቲ ስራሕቲ መስፋሕፍሒ ኣብቶም ከባቢታት ኣብ ደቀቕቲን ኣናእሽተይን ስራሕቲ ዝተዋፈሩ ማሕበራትን ፈጠርቲ ስራሕ ኢንተርፕራይዛትን ከምኡ እውን ሓደሽቲ ኣፍረይቲ ትካላትን ሓደሽቲ ዓማዊልን ተረባሕቲ ዝገብር ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.