Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ከይዲ ምኽክር ብእዋኑ ንኽካየድ ግደ መዳርግቲ ኣካላት …

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ከይዲ ምኽክር ብእዋኑ ንኽካየድ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ክሰርሑ ይግባእ ኢሉ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ኮሚሽን ጥበቡ ታደሰ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ፤ ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ክልል ትግራይ ብምክታት ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ክህሉ ንምግባር ዝውገኑ ፃዕሪታት ተጠናኺሮም ቀፂሎም።

ነዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ጉጅለ ልኡኽ እቲ ኮሚሽን ናብ መቐለ ተጓዒዙ ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን መዳርግቲ ኣካላትን ብምዝታይ ኣብቲ ክልል ከይዲ ዘተ ንምጅማር ዘኽእል ልዝብ ምግባሩ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ምስቲ ኮሚሽን ተዋዲዶም ንኽሰርሑ ምስ ዝተተመደቡ ሰባት መካተቲን ኣሳታፍነት ንምርግጋፅን ዘኽእሉ ሜላታት ምፅናዕን ምኽረ ሓሳባት ምትእኽኻብን እናተገበረ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።

እቶም ምኽረ ሓሳባት ናብቲ ኮሚሽን ቀሪቦም ብምፅዳቕ ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ንምእታው ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ከይዲ ዘተ ውፅኢታዊ ክገብሩ ኣብ ዝኽእሉ ሜላታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምርድዳእ ከምዝሓትት ኣልዒሎም።

ኣብ ኣድላይነት እቲ ምኽክር ሕብረተሰብ ዘለዎ ድሌት ዝገለፀሉ ኩነታት ከምዘሎ ብምሕባር፤ ሕዚ እውን ዝተወሰኑ ማሕለኻታት ከምዘለዉ ኣመልኪቶም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ተሳተፍቲ ንምፍላይን ናብ ኣጀንዳ ምትእኽኻብ ንምእታውን ኣብ ቁልፊ ጉዳያት ኣብ ምርድዳእ ንምብፃሕን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ናብ ባይታ ንምውራድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ መጀመርታ መዓልቲታት ወርሒ ጥሪ ኣብቲ ክልል ምፍላይ ተሳተፍቲን ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ንምውጋን ትልሚ ከምዝተትሓዘ ብምሕባር፤ እቲ ትልሚ ንምትግባር ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት እጃሞም ክዋፅኡ ይግባእ ኢሎም።

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.