Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ልዕሊ 26 ሺሕ ፓምፕታት መምጠጢ ማይ ንሓረስቶት ተኸፋፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ልዕሊ 26 ሺሕ ፓምፕታት መምጠጢ ማይ ሎሚ መዓልቲ ንሓረስቶት ተኸፋፊሉ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም፡፡

ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ መፍረያይነት ዓውዲ ሕርሻ ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ብምትግበር ብትኹረት ክስራሕ ኢዩ፡፡

ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ንሓረስቶት ምክፍፋል ዝጀመሩ ፓምፕታት መስሐቢ ማይ ንልምዓት መስኖ ሓጋይ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክቱ ተዛሪቦም፡፡

ሓረስቶት እቶም ፓምፕታት ንግቡእ ዕላማ ብምውዓል መፍረያይነቶም ንምዕባይ ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ኦሮሚያ ኣይተ በሪሶ ፈይሳ ብግደኦም÷ ፓምፕታት መስሐቢ ማይ ኣብ ኩለን ከባቢታት እቲ ክልል ንዝርከቡ ሓረስቶት ከምዝከፋፈሉ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.