ኣብ ክልል ኦሮሚያ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተሳሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝፈላለዩ ዞባታትን ከተማታትን 2017 ዓ.ም መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር “ብምትካል ምንስዕራር” ብዝብል ሓሳብ ተጀሚሩ፡፡
ሎሚ ዓመት እቲ ክልል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዙሕ ረብሓ ዝህቡ ፈልሲታታ ብምትካል ምድላዋት ኣካይዱ፡፡
ኣብ 38 ጣቢያታት ዝተዳለው ፈልሲታት ንደኒ ልምዓት፣ ቀለብ እንስሳ፣ ልሙዕነት ሓመድ፣ ከምኡ እውን ንምግቢ ዝውዕል ፈልሲታት ብ 1ነጥቢ 1 ሚሊየን ሄክታር መሬት ክትከሉ እዮም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ልዕሊ 6 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሄክታር መሬት ዝተፈላለየ ረብሓታት ዘለዎም ፈልሲታት ኣብቲ ክልል ዝተተኸለ እንትኾን፤ ካብ ዝተተኽሉ ፈልሲታት ውሽጢ 88 ሚኢታዊ ዝኾኑ ፀዲቆም፡፡
ብተወሳኺ ምሽርሻር ሓመድ ብምንካይን መፍረያይነት ሓረስቶት ብምዕባይን ውሕስና ምግቢ ክረጋገፅ ምግባሩ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል የረድእ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!