ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣስታት 51 ሺሕ ዝኾኑ ከይዲታት ፍርዲ ብኦንላይን ተሳሊጦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ 2017 ዓ.ም ኣስታት 51 ሺሕ ዝኾኑ ከይዲታት ፍርዲ ብኦንላይን ተሳሊጦም።
ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ኣብ ሻድሻይ ጨፌ ኦሮሚያ መበል ታሽዓይ ስሩዕ ጉባኤ ናይቲ ክልል ናይ 2017 ዓ.ም ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ኣቕሪቦም።
ኣፈፃፅማ ስራሕ ኣብያተ ፈርዲ ኣመልኪቶም ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ፥ ኣብቲ ክልል ብሰለስተ ብርኪ ኣብ ዘለዉ ኣብያተ ፍርዲ ኣብዚ ዓመት 548 ሺሕን 744 ጉዳያት ቀሪቦም 532 ሺሕን 724 ጉዳያት ዕልባት ረኺቦም ኢዮም ኢሎም።
ካብ መንጎ እቶም ጉዳያት 51 ሺሕን 911 ጉዳያት ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ዝተኻየዱ ምዃኖም ብምግላፅ፥ ካብ ተገልገልቲ 976 ሚሊየንን 332 ሺሕን ብር ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም።
ኣብ ምንቅስቓስ ካብ ዝነበሩ ሓፈሻዊ ጉዳያት 761 ሚሊየንን 945 ሺሕን 543 ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ እወን ተዛሪቦም።
ብታምራት ደለሊ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!