ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ በራሕለ ብሰንኪ ዘጋጠመ ራዕዲ መሬት ጉድኣት ኣጋጢሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ በራሕለ ትማሊ ምሸት ብሰንኪ ዘጋጠመ ራዕዲ መሬት ጉድኣት ኣጋጢሙ።
ዋና ኣመሓዳሪ ሰሜናዊ ዞባ ኣይተ መሓመድ ዓሊ ኣስሓብ እቲ ራዕዲ መሬት ኣብቲ ዞባ ወረዳ በራሕለ፣ ኮናባን ዳሎልን ምግጣሙ ተዛሪቦም።
ኣብ ክልተ ወረዳታት መረዳእታ ናይ ምትእኽኻብ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
ንተጎዳእቲ ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ብምዃን ህፁፅ ደገፍ ከምዝግበር እውን ሓቢሮም።
ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ በራሕለ ኣይተ ዓሊ ሑሴን ብግደኦም፥ ብሰንኪ እቲ ራዕዲ መሬት ኣብ ጣቢያታት ቡሬን ዓስጉቤን ብዙሓት ኣባይቲ ምዕናዎም ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪቦም።
በቲ ሓደጋ ህይወት 12 ዕድመ ሰገን ከምዝሓለፈ ብምግላፅ፥ ኣብ ልዕሊ 6 ሰባት እውን ጉድኣት ከምዘጋጠመ መገሊፆም።
ኣስታት 43 ሺሕን 456 ሰባት ኣባይቶም ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓነወን ብዘይ መፅለሊ ከምዝተረፉን ተዛሪቦም።
ብዓሊ ሹምባሕሪ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!